ቢንያም ግርማይ ንደቂ ጋንትኡ፣ ሰራሕተኛታትን ደገፍቱን ኣመስጊኑ ኣብ ቀረባ ግዜ የራኽበና ይብል

Source: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/05/2022) * ግጥማት ኣትለቲክስ ኣልማዛዊ ሊግ ናይ’ዚ ወቕቲ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ተኻይዱ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ኣብ 5000 ሜ ብዓብላሊ ተዓዊተን፣ * ናብ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ት17 መንእሰያት መወዳእታ ዙር መጻረዪ ግጥማት ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 1-0 ብናይጀርያ ተሳዒራ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ኣሰልጣኒ ዉበቱ ኣባተን እታ ሃገር ዘለዉዋ መጻረዪ ግጥማት ዝውክልዋ ናይ 28 ተጻወቲ ዝርዝር ስም ዘርጊሖም፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሰንበት ድሕሪ ዝተኻየዱ ናይ መወዳእታ ዙር ግጥማት ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ተዛዚሙ፣ * ኤርትራዊያን ናትናኤል ተስፋጽዮንን መርሃዊ ቅዱስን ንኡድ ተሳትፎኦም ኣብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ኣብ ዝቐጸልሉ ቢንያም ግርማይ ግን ቦኽሪ ንኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያንን ተቐዳደምቲ ዝኾነ መድረኻዊ ዓወት ድሕሪ ምምዝጋቡ ዓወቱ እናብዓለ ዓይኑ ስለዝተሃርመ ውድድሩ ኣቋሪጹ።
Share