እዚ ተዋሂቡ ዘሎ ዕድል ሰላም 'ናብ ሰላማዊ ልዝብ' ዘየምርሕ እንተኾይኑ ኲናት ክቕጽል'የ ይብል ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ

Source: SBS Tigrinya
ሓጸርቲ ጸብጻባት ዜና፡ * ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ እቲ ንሰላም ዝተዋህበ ዕድል ‘ናብ ሰላማዊ ድርድር’ ከምርሕ እንተዘይኮይኑ ኲናት ክቕጽል ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ፡ * ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ከተማታ ትግራይ ብደብዳብ ነፈርቲ ንዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ክግበር ኣዊጁ፡ * ብመንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ዝቕጽል ዘሎ ዕጽዋ ኣብ ትግራይ ‘ገሃነም’ ዝመስል ‘ጸርፊ ንሰብኣውነት’ ከምዝፈጠረ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ፡ * መጠን ሓደጋታት ኣብ ኤርትራ ኣብ 2021 ብኣስታት 28.8 %፡ መጠን ገበናትን በደላትን ድማ ብ14.5% ካብ’ቲ ብ2020 ዝነበረ ከምዝወሰኸ ፖሊስ ሓቢሩ፡ * መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስሙያት ፖለቲከኛታት ኣቦይ ስብሓት ነጋን ጃዋር መሓመድን ብምፍትሑ ናብ’ታ ሃገር ተዓዲሞም ዝኣተዉ ዳያስፖራ ከም ዝተቖጥዑን ገለ ከኣ ቲኬት ነፋሪት ቀይሮም ዝተመልሱ ከም ዘለው ተሰሚዑ፡ * ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ምስ ብጻዩ ኣቶ በቀለ ገርባ ብወገኖም መቕተልቲ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ክጻረ፣ ሓድሕዳዊ ኲናት ደው ኢሉ ምይይጥ ክጅመር ጸዊዖም
Share