ምርጫ 2022: ሰልፊ ሊበራል ኣውስትራልያ

Sir Robert Menzies is installed as Warden of the Cinque Ports, during a ceremony at Dover, England, 20th July 1966

20 Aralık 1894’te doğan Sir Robert Gordon Menzies, 1939’dan 1941’e ve sonra da 1949’dan 1966’ya kadar toplam 18 yıl 5 ay başbakanlık yaptı. Source: Getty

ኣብ ዝባን ሰልፊ ሊበራል ካብ ሰር ሮበርት መንዚስ ንላዕሊ ብዓቢይ መጠን ጎሊሑ ዝረአ ካልእ ዝኾነ ሰብ የለን። ከም ሓቂ ውሑዳት ኣውስትራልያውያን ጥራይ’ዮም ከም ናቱ ህቡብነት ዘጥረዩ፣ ወይ ኣብ ልዕሊ’ዛ ሃገር ከም ናይ’ዚ ሊበራል ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዓይነት ጽልዋ ዘሕደሩ ወይ ዝነበሮም። ንሱ ነዚ ፖለቲካዊ ሰልፊ መስሪትዎ፣ ዝነውሐ እዋን ዘገልገለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኔሩን ኣብ ግዜ ጎስጓስ ንፈደራላዊ ምርጫ በቶም ካብ ሰልፊ ሊበራል ዝኾኑ ሕጹያት ዘረባታቱ ከም ጥቕሲ ክቐርቡ ወይ መወክሲ ክኸውን ግድን’ዩ።



Share