ኤርትራ ስፖርትን ፖለቲካን ክተሓወወሱ የብሎምን ብምባል ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምሕሳም ኦሎምፒክ በይጂንግ ንቻይና ደጊፋ

A number of countries, including Australia, have announced a diplomatic boycott of the Beijing Winter Olympics.

A number of countries, including Australia, have announced a diplomatic boycott of the Beijing Winter Olympics. Source: LightRocket

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (13/12/2021) * ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ዓባይ ብሪጣንያን ዲፕሎማስያዊ ምሕሳም ኦሎምፒክስ ሓጋይ በይጂን ክገብራ ምዃነን ኣብ ዝኣወጃሉ ኤርትራ ስፖርትን ፖለቲካን ዘራኽብ የብሎምን ብምባል ኣብ ጎድኒ ቻይና ቆይማ፡ * ዝለዓለት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኾነት ጋንታ ቲም ኩቤካ ኔክስት ሃሽ ኣብ 2022 ኣብ ዙር ዓለም ቦታ ክወሃባ ዘእተወቶ መመልከቲ ዓለምለኻዊ ሕብረት ቅድድም ብሽግለታ ከምዘይተቐበሎ ተፈሊጡ፡ * ኮንፈደረሽን ኩ’እግሪ ኣፍሪቃ እቲ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ካሜሩን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ግጥም ኩ’እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2022 ኣብ ካሜሩን ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ-19 ኦሚክሮን ድሕሪ ምምዝጋቡ ናብ ካልእ ሃገር ክቕይሮ’ዩ ንዝብል ወረ ነጺግዎ፡ * ገዲም ካሜሩናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩ’እግሪ ሳሙኤል ኤቶ ንማሕበር ኩ’እግሪ’ታ ሃገር ከካይድ ተመሪጹ:



Share