ኣትሌታት ኢትዮጵያ ኣብ በልግረይድ ሻምፒዮናታት ዓለም ውሽጢ ኣዳራሽ መዳልያታት ሓፊሶሞ፣ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ስሙ እናገነነ ይኸይድ

Source: YouTube
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/03/2022) * ኣብ ውድድራት ጉያ እግሪ ሻምፒዮናታት ዓለም ውሽጢ ኣዳራሽ በልግረይድ 22 ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ሜዳልያታት ሓፊሶሞ፣ * ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪ ኮስት 2023 ካብ ምስታፍ ከምዘንሰሓበት ብወግዒ ኣፍሊጣ፣ * ኢትዮጵያውያን ደቀንስትዮ ት17 ኩ’እግሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣንጻር ኡጋንዳ ገጢመን ማዕረ ድሕሪ ምውጽአን ናብ ዝቕጽል ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም መንእሰያት ሓሊፈን፣ * ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ኣብ ሻርም ኤል ሸይኽ፥ ግብጺ፡ ካብ 22-27 መጋቢት ኣብ ዝካየድ ሻምፒዮና ኣፍሪቃ ክትሳተፍ'ያ፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ዘመዝግቦም ዘሎ ዝነኣዱ ውጽኢታት ብምቕጻል ኣብ ሚላን ሳንረሞ መበል 12 ወጺኡ፥ ሓደ ካብ’ቶም ኣገረምቲ ውጽኢታት ከመዝግቡ ዝኽእሉ ተቐዳደምቲ ተባሂሉ ስሙ ይገንን፣
Share