ኣትሌታት ኢትዮጵያ ኣብ በልግረይድ ሻምፒዮናታት ዓለም ውሽጢ ኣዳራሽ መዳልያታት ሓፊሶሞ፣ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ስሙ እናገነነ ይኸይድ

Lemlem Hailu of Ethiopia wins the 3000m at the world Indoor championships in Belgrade

Source: YouTube

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/03/2022) * ኣብ ውድድራት ጉያ እግሪ ሻምፒዮናታት ዓለም ውሽጢ ኣዳራሽ በልግረይድ 22 ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ሜዳልያታት ሓፊሶሞ፣ * ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪ ኮስት 2023 ካብ ምስታፍ ከምዘንሰሓበት ብወግዒ ኣፍሊጣ፣ * ኢትዮጵያውያን ደቀንስትዮ ት17 ኩ’እግሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣንጻር ኡጋንዳ ገጢመን ማዕረ ድሕሪ ምውጽአን ናብ ዝቕጽል ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም መንእሰያት ሓሊፈን፣ * ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ኣብ ሻርም ኤል ሸይኽ፥ ግብጺ፡ ካብ 22-27 መጋቢት ኣብ ዝካየድ ሻምፒዮና ኣፍሪቃ ክትሳተፍ'ያ፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ዘመዝግቦም ዘሎ ዝነኣዱ ውጽኢታት ብምቕጻል ኣብ ሚላን ሳንረሞ መበል 12 ወጺኡ፥ ሓደ ካብ’ቶም ኣገረምቲ ውጽኢታት ከመዝግቡ ዝኽእሉ ተቐዳደምቲ ተባሂሉ ስሙ ይገንን፣



Share