ድሕሪ ምስዋር መሓዙተን ግጥመን ዘካየዳ ኤርትራውያን ንጂቡቲ ስዒረን ብኡጋንዳ ብጸቢብ ተሳዒረን ውራየን ዛዚመን

Tadu Teshome wins in Barcelona

Source: Twitter

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (08/11/2021) * ግጥማት ሻምፒዮና ኩ’እግሪ ሴካፋ ደቀንስትዮ ት20 ኣብ ኡጋንዳ ምክያዶም ኣብ ዝቐጸለሉ ኡጋንዳን ኢትዮጵያን ንፍጻመ በጺሐን፡ ኤርትራውያን ከኣ ንጂቡቲ ስዒረን ውራየን ዛዚመን፡ * ኣብ ማራቶን ዙሪክ ባርሴሎና ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ክዕወቱ እንከለው ኣብ ውድድራት ጉያ እግሪ መሮር ሳንሰባስትያንን ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ኤውሮጳውያን ኣትሌታትን ብዓብላሊ ተዓዊቶም፡ * ካሜሩን ተአንግዶም ግጥማት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2022 ክካየዱ ኣብ ዝተቓረብሉ እዋን እታ ሃገር ኣብ ክልተ ዓበይቲ ከተማታታ ዝተኸስተ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ትቃለስ፡ * ሽዱሽተ ኣሰልጠንቲ ጋንታታት ፕሪምየር ሊግ ድሮ ካብ ስርሖም ኣብ ዝተባረርሉ መን ኮን ይኸውን እቲ ስዒቡ ግዳይ ዝኸውን፧



Share