ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ ዓለም ቀዳማይ ኤርትራውን ኣፍሪቃውን ተዓዋቲ መዳልያ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ

በዓል ታሪኽ ኣብ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ዓለም 2021 ቢንያም ግርማይ Source: SBS ON DEMAND
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/09/2021) * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሃይሉ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ሻምፒዮና ዓለም ካልኣይ ወጺኡ ንኤርትራ ኣፍሪቃን ናይ ፈለማ ብሩር መዳልያ ብምዕታር ታሪኽ ሰሪሑ፡ * ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ጎትይቶም ገብረስላሰን ጉያ ኣዶላን ብክልቲኡ ጾታታት ተዓዊቶም፡ ቀነኒሳ በቀለ ሳልሳይ ወጺኡ፡ * ኢትዮጵያ ዝመጽእ ወርሒ ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ተካይዶም መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 25 ተጻወታ መሪጻ፡ * ብፊፋ ዝቐረበ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ኣብ ክንዲ ኣርባዕተ ዓመት ጸቒጡ ዝካየድ ክልተ ዓመት ሰጊሩ ክካየድ ዝጠልብ እማመ ተቓውሞታት የጋጥምዎ፡
Share