ቢንያም ግርማይ ቦኽሪ ፕሮፌሽናል ዓወቱ ኣመዝጊቡ፡ መሲ-ኣንጻር-ነይማር ብሰንኪ ድራማ ኣብ ኣተሓሕዛ ኮቪድ ተመሓላሊፉ

Source: YouTube
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/09/2021) * ኬፕታውን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ታዱ ናረ ብሉጽ ውልቃዊ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቦኽሪ ቅድድም ብሽግለታ ክላሲክ ግራንድ ቤሳንኮን ዶብስ ቀዳማይ ፕሮፌሽናል ዓወቱ ኣመዝጊቡ፡ * ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምድባዊ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ዝሓለፈ ዓርቢ ኣካይዳ ብጋና 1-0 ተሳዒራ፡ * ጂቡቲ ብወገና ኣንጻር ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ኣልጀርያ ገጢማ ብገፊሕ 8-0 ተሳዒራ፡ * መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ኣብ መንጎ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ብራዚልን ኣርጀንቲናን ሰንበት ብምኽንያት ጸገማት ምኽታል መምርሒታት ኮቪድ-19 ግጥም ተጀሚሩ ድሕሪ 5 ደቓይቕ ምቁራጹ መዛረቢ ዓለም ኮይኑ፡
Share