ታሪኻዊ ዓወት ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጅም፣ ደራርቱ ቱሉ ንትግራይን ኣትሌታታን ኣብ ዝምልከት ዘርኣየቶ መሪሕነት

Source: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/03/2022) * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሰንበት ኣብ ናይ ቅድድም ህይወቱ ዝዓበየ ዓወት ብምምዝጋብ ናብ ታሪኻዊ ዓወት ኸንት-ዊቪልኸም ፈንጢሱ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ፣ * ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ኣቺያ ራን ሮም ዘ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ፍቅረ በቀለን ሰቻላ ደለሳን ድርብ ዓወት ኣመዝጊቦም፣ * ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሻምፒዮን ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኣፍሪቃ 2022 ኮይኑ፣ ኣብ’ቲ ኣብ ግብጺ (ሻርም ኤል ሸይኽ) ዝተኻየደ ኣፍሪቃዊ ውራይ ኤርትራ ብብዝሒ መዳልያታት ቀዳመይቲ ኮይና ወዲኣ፣ * ደቀንስትዮ ት20 መንእሰያት ኢትዮጵያ ናብ ዋንጫ ዓለም ኮስታሪካ 2022 ንምሕላፍ ኣብ ዘካየደኦ ካልኣይ እግሪ ግጥም ብጋና 2-1 ተሳዒረን ጉዕዝአን ኣብቂዑ፣ * ገዲም ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣትሌታት ትግራይ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ንመንግስቲ ወሲኽካ ኩሉ ክርደኣሎምን ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ተሕልፎ ዘላ ስቓይ ኲናትን ጥሜትን ከብቅዕ ኣብ ዝጸዋዓትሉ ምምስሳል ምስ ኩነታት ዩክረይን ኣሎ ድዩ
Share