'ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥይት ዝተሓወሶ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎም' ውድብ ሕቡራት ሃገራት

Source: Getty
ጸብጻባት ዜና * ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥይት ዝተሓወሶ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸሞም ኣረጋጊጹ፣ * ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ንዝተፈጸሙ ገበናት ዝምርምር ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ፍቓድ ክወሃቦ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቱ፣ * ነበር ፕረዝደንት ትግራይ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ሓቲቱ፣ * ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተረቑሐ ህወሓት ደገፍቲ’ዮም ብዝብል ን8 ኣዋርሕ ዝተዓጽዉ ዓበይቲ ሆቴላት ተኸፊቶም ትሑት ወለድ ዘለዎ ልቓሕ ክወስዱ ተፈቒዱሎም፣ * ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ ኦሞ ንመዓልታት ብዝቐጸለ ዓሌታዊ ግጭት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ተቐቲሎምን ብዙሓት ትካላት ከም ዝዓነዉ ህዝብን ሓለፍትን ተዛሪቦም
Share