ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ኢጣልያ ታሪኽ ምስራሕ ይቕጽሎ፣ ዳቪድ ትሪዘገ ምስ ዋንጫ ዓለም ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ክፍጽም'ዩ

Biniam Girmay at the Giro

Source: Getty Images

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/05/2022) * ብሃንቀውታ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ቅድድም ብሽግለታ መበል 105 ዙር ኢጣልያ ወይ ጂሮ ድ’ኢታልያ ዝሓለፈ ዓርቢ ተጀሚሩ ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ወጺኡ፣ ተሳትፎኡ ብዝለዓለ ብቕዓት ይቕጽሎ‘ሎ፣ * መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ከኣ ጋንታታቶም እናሓገዙ ይምርሹ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ስታድየም ባህር ዳር ዓለምለኻውያን ግጥማት ደጊሙ ከአንግድ ዝኽእል እንተኾይኑ ንምምልካት ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብር ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ፈረንሳዊ ተዓዋቲ ዋንጫ ዓለም ደይቪድ ትሪዘገ ምስ ዋንጫ ዓለም ብሓባር ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገበር’ዩ፣ * ንተዓወትቲ ጋንታታት ወይ ኣትሌታት ዝወሃብ ናይ ክብሪ ምዕጃብ ብድሌት ዝካየድ ክንሱ ንምንታይ’የን ገለ ጋንታታት ዘይደልይኦ፧



Share