ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ጉያ እግሪ መሮር ኣታፑወርካ ብክልቲኡ ጾታታት ተዓዊቶም፣ ኢትዮጵያ ሻምፒዮን ሴካፋ ደቀንስትዮ ት20 ኮይነን

Eritrean Rahel Ghebreyohannes wins Clasificaciones Cross Atapuerca 2021

Source: Cross de Atapuerca

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (15/11/2021) * ኣብ በርጎስ ስፐይን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ መሮር ኤርትራውያን ኣትሌታት ብኽልቲኡ ጾታታት ተዓዊቶም፡ * መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ናይ መወዳእታ ምዕራፎም ኣብ ዝዛዘምሉ ኢትዮጵያ ኣንጻር ጋናን ዚምባብወን 1-1 ማዕረ ብምውጻእ ጉዕዞኣ ኣጠናቒቓ፡ ጋና ንደቡብ ኣፍሪቃ ስዒራ ናብ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሰጊራ፡ * ኣብ ኡጋንዳ ክካየዱ ዝቐነዩ ግጥማት ሻምፒዮና ኩ’እግሪ ሴካፋ ደቀንስትዮ ት20 ብዓወት ኢትዮጵያ ተዛዚሞም፡ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ንፈለማ ግዜኡ ዝተኻየደ ውራይ ንኡጋንዳ 3-2 ስዒራታ፡ * ትስፉው መጻኢ ኣብ ቅድሚኣ ዝጽበያ ዝነበረ መንእሰይ ተቐዳዳሚት ብሽግለታ ኤርትራ ደሴት ኪዳነ ኣብ ልምምድ እንከላ ብመኪና ተሃሪማ ድሕሪ ምማታ ዝሓለፈ ሰሙን ስነስርዓት ቀብራ ተፈጺሙ፡



Share