ግዝኣታት ኣውስትራልያ ቀይድታት ዝኸፍታሉ መደባት የውጽኣ፣ ኢትዮጵያ ኤምባሲታት ትዓጹ፣ ሱዳን ፈተነ ኢትዮጵያ ናብ ዶባተይ ኣፍሺለ ትብል

SBS Tigrinya Daily News

Source: SBS

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ፕሪምየር ኒው ሳውዝ ዌልስ መምርሒታት ኮቪድ-19 ዝፎኽሱሉ በዓል ሰለስተ ደረጃ ብመስርዕ ዳግማይ ንምኽፋት ዘኽእል መደብ ኣፍሊጣ። * ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ሰልፊ 'ፍሪ ደሞክራቲክ ፓርቲ' ጀርመን ድሕሪ’ቲ ተቐራራቢ ውጽኢት ምርጫ ናይ ሰንበት ዘተተታት ንምምስራት መንግስቲ ኣዋርሕ ክወስዱ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ። * ሰራዊት ሱዳን ብሓይልታት ኢትዮጵያ ናብ ዶብና ዝተኻየደ ፈተነ ምእታው ኣፍሺልናዮ ክብል ገሊጹ። * ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካይሮ ብቁጠባዊ ምኽንያታት ን3-6 ኣዋርሕ ስራሓቱ ኣብ ግብጺ ከወንዝፍ ምዃኑ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ገሊጹ



Share