ኢትዮጵያ ናብ ካሜሩን ተበጊሳ፣ ኣፍሪቃውያን ተጻወቲ ክሳብ ጥሪ 3 ምስ ኤውሮጳውያን ጋንታታቶም ክጸንሑ ካፍ ፈቒዱ

Source: cafonline
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/12/2021) * ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዉበቱ ኣባተ ዝርዝር ስም ናይ’ቶም ኣብ ግጥማት ኩ’እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካሜሩን 2022 ንኢትዮጵያ ወኪሎም ዝሳተፉ ተጻወቲ ዘርጊሑ፡ * ኮንፈደረሽን ኩ’እግሪ ኣፍሪቃ ኣብ ኤውሮጳውያን ጋንታታት ዝጻወቱ ኣፍሪቃውያን ተጻወቲ ናብ ግጥማት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ቅድሚ ምብጋሶም ክሳብ ጥሪ 3 ክጸንሑ ይኽእሉ’ዮም ክብል ገሊጹ፡ * ንበዓል ዳንኤል ተ/ሃይማኖት ኣብ ዓለም ዝና ክረኽቡ ዝሓገዘት ኣፍሪቃዊት ዝለዓለት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ቲም ኩቤካ ኔክስት ሃሽ ኣብ 2022 ብደረጃ ዙር ዓለም ክትወዳደር ዝነበራ ዕድል ከምዝቐሃመ ብወግዒ ኣፍሊጣ፡ ክሳብ መወልቲ ትረክብ ግን ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ክትቀዳደም’ያ፡ * ጉግል በብዓመቱ ኣብ ዝዝርግሖ ጸብጻብ ብብዝሒ ኣብ’ቲ መርበብ ሓበሬታ ዝተፈተሹ፡ ዝተሓተቱ ወይ ዝተደለዩ ኣስማት ኣብ ኣውስትራልያ ካብ’ቶም ዝለዓሉ 10 እቶም 7 ብዛዕባ ስፖርት ብምንባሮም ኣውስትራልያ ስፖርት ትፈቱ ሃገር ምዃና ዘመስክር’ዩ ተባሂሉ
Share