ደሶ ገልሜሳን ሃፍቱ ተኽሉን ኣብ ማራቶናት ፓሪስን ባርሴሎናን ተዓዊቶም፣ ኣማኑኤል ገ/ሄር ቀዋሚ መጉዳእቲ ስለዘይወረዶ ናብ ልምምድ ክምለስ ንጽበዮ

Source: Athletics weekly
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (03/04/2022) * ኣብ ውድድራት ማራቶን ፓሪስን ባርሴሎናን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣማኑኤል ገ/ሄር ኣብ መወዳእታ መድረኽ ቮልታ ኣ ካታሉንያ እናተወዳደረ እንከሎ ድሕሪ ዘጋጠሞ ልዑል ናህሪ ዝነበሮ ምግጫው ብኸቢድ ተጎዲኡ ከምዘሎ ጋንትኡ ትሬክ ሴጋፍሬዶ ኣረጋጊጻ፣ * ኣብ’ቲ ኣብ ግብጺ (ሻርም ኤል ሸይኽ) ዝተኻየደ ኣፍሪቃዊ ውራይ ዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ ኤውሮጳ ታሪኻዊ ዓወት ዘመዝገበ ቢንያም ግርማይን ተዓዋቲ ዙር ሩዋንዳ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ናብ ኣስመራ ኣብ ዝተመልሱሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌርሎም፣ * ዕጫ ምድብ ሃገራት ኣብ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2022 ቐጠር ኣብ ዝወጻሉ ሓያል ፖለቲካውን ስፖርታውን ምቅንቓን ክህልዎም ዝኽእል ጽምዲታት እንተፈጠረ’ኳ ናይ ምድብ ሞት ክበሃል ዝኽእል ግን የለን ይብሉ ብዙሓት ተንተንቲ
Share