ትዕግስት ማሙየ ኣብ ማራቶን ፓሪስ ታምራት ቶላ ኣብ ኣምስተርዳም ተዓዊቶም፡ ፈረንሳዊ ውዕሎ ተቐዳዳሚት ብሽግለታ ደሴት ኪዳነ

Source: Paris Marathon
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (18/10/2021) * ኢትዮጵያውያን ትዕግስት ማሙየ ኣብ ፓሪስ ታምራት ቶላ ኸኣ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝተኻየዱ ማራቶናት ተዓዊቶም፡ * ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ክልተ ተኸታተልቲ ስዕረታት ኣብ ኢድ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስካማ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ማህሚኑ፡ * ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ላ ክላሲክ ሞርቢሃን ኤርትራዊት ደሴት ኪዳነ ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊባ፡ * ፈላሚት ኣፍሪቃዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ መወልቲ ተናዲ፡ ንተቐዳደምታ ኸኣ ንዓመተ 2022 ካልኦት ጋንታታት ከናድዩ ትሕብር፡
Share