ኪልያን ምባፐ ብሰንኪ መጠኑ ዝሓለፎ ነቐፌታታትን ዘለፋታትን ካብ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ክሰናበት ሓሲቡ፣ ሙሉ ክንፈ ዓወት ኣመዝጊቡ

Source: Fifa
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (20/06/2022) * ኣብ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ሰሎሞን ባሬጋ ኣብ ፓሪስ፣ ዳዊት ስዩምን ጥላሁን በቀለን ከኣ ብኽልቲኡ ጾታታት ንደቂ ዓዶም ኣኸቲሎም ኩሉ ፖድየም ብምውሳድ ኣብ ኦስሎ ተዓዊቶም፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ቩወልታ ኤክስትረማዱራ 2022 ኢትዮጵያዊ ሙሉ ክንፈ ሃይለሚካኤል ኣብ ኩሉ ምድባት ተዓዋቲ ኮይኑ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ንግብጺ ዓቢይ ስዕረት ክትስከም ድሕሪ ምግባራ ኣሰልጣኒ ግብጺ ካብ ሓላፍነቱ ተባሪሩ፣ * ሓደ ፊፋ ዘዳለዎ ጸብጻብ ኣብ 2020 ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ኣብ ግጥማት ፍጻመ ዩሮን ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተሳተፉ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ኦንላይን ኣብ ልዕሊኦም ናይ ጸርፍታትን ዘለፋታትን በደል ከምዝተፈጸሞም ደምዲሙ፣
Share