ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ ኢትዮጵያ ብማላዊ ብጸቢብ ድሕሪ ምስዓራ ወሳኒ ግጥም ኣንጻር ግብጺ ይጽበያ

Source: Wiki
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/06/2022) * ኣብ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ራባት ኣብ ጉያ እግሪ 1500ሜ ኢትዮጵያዊያን ሂሩት መሸሻ፣ ፍረወይኒ ሃይሉን ኣክሱማዊት እምባየን ተመራሪሐን ተዓዊተን፣ * ኣብ ካልኣይ መድረኽ ራብዓይ ቅድድም ብሽግለታ `ኣድሪያቲካ ኢዮኒካ ረይስ` ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተዓዊቱ፥ * ኣብ ግጥማት ሻምፒዮና ሴካፋ ዓበይቲ ደቀንስትዮ 2022 ኢትዮጵያ ብገፊሕ ውጽኢት ጉዕዝአን ጀሚረን ምረሽአን ክቕጽላ እንከለዋ መንእሰያት ት17 ግን ኣብ ናይጀርያ ማዕረ ድሕሪ ምፍልላየን ጉዕዞአን ኣብቂዑ፣ * ብወገን ደቂባዕትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምድባዊ መጻረዪ ግጥማ ኣካይዳ ብማላዊ ተሳዒራ ከቢድ ግጥም ኣንጻር ግብጺ ኸኣ ይጽበያ፣ * ኣብ ግጥም ባይታ ቴኒስ ፍሬንች ኦፕን ሓያል ደገፍ ዘለዎ ራፋኤል ናዳል ሓድሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ክዕወት እንከሎ ደገፍቲ ኣንጻሮም ብምቕንዖም ዘይተሓጎሱ ተጻወቲ ግን መረረኦም ይገልጹ፣
Share