ናብ ዋንጫ ዓለም ዘይምሕላፍ ስምዒትን ክብርን ጥራይ ዘይኮነ ዝትንክፍ ቁጠባዊ ዕድላትን ሽቕለትን'ውን ይሃሲ

Peak world cup qualifying games

Source: SBS

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/04/2022) * ኤርትራዊ ታደሰ ኣብርሃም ኣብ ዙሪክ ማራቶን፣ ኢትዮጵያዊት ሄቨን ሃይሉ ኣብ ሮተርዳም፣ ኣድመቀ ኣሸናፊን ሃይሉ ነጋሳን ከኣ ኣብ ኢቢዛ ማራቶን ተዓዊቶም፣ * ኢትዮጵያዊ ማእከላይ ዳኛ በኣምላክ ተሰመ ኣብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ግጥማት ክዳንዩ ካብ ዝተመርጹ ኣፍሪቃውያን ሓደ ኮይኑ፣ * ኣብ ፕረዚደንታዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ቱርኪ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ይሳተፍ ኣሎ፣ * ቢንያም ግርማይ ናብ ዓበይቲ ጋንታት ቅድድም ብሽግለታ ክኸይድ’ዩ ዝብሉ ዘይተረጋገጹ ወረታት ይናፈሱ፣ * ናብ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2022 ዘይሓለፋ ብኩዕሶ እግሪ ዓበይቲ ዝበሃላ ሃገራት ክሳብ ኣብ ተራ ህዝቢን ዋኒናት ንግድን ዝወርድ ቁጠባዊ ክሳራታትን ምምላጥ ዕድላትን ከምዘጋጥመን ተፈሊጡ



Share