ትዕግስት ገዛኸኝ ኣብ ፓራሊምፒክስ ንኢትዮጵያ ናይ ፈለማ ዝኾነ ወርቂ ዓቲራ፣ ኣብ ቴኒስ ዘይክተቡ ተጻወቲ እናሃለው ንተዓዘብቲ ምግዳድ ርትዓዊ ድዩ፧

Source: AAP
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/08/2021) * ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ኦሎምፒክስ ኣካለስንኩላን ወይ ግጥማት ፓራሊምፒክስ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ ግዜ ብትዕግስት ገዛኸኝ መንግስቱ ኣቢላ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 1500 ሜ ወርቂ መዳልያ ዓቲራ፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ኣብ ቅ/ብ ዙር ጀርመን ተሳቲፉ፡ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያዊት ያለምዘርፍ የኋላው ነቲ ዝጸንሐ ክብረወሰን ዓለም ብምሕምሻሽ ተዓዊታ፡ * ኢትዮጵያ መዳለዊ ንመጻረዪ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ዝኾንዋ ክልተ ግጥማት ኣካይዳ ምስ ሲየራሊዮን ብዘይሽቶ ማዕረ ክትፈላለ እንከላ ንኡጋንዳ 2-1 ስዒራታ፡ * ኣብ ግጥማት ባይታ ቴኒስ ኣሜሪካ ዩኤስ ኦፕን ተጻወቲ ፍርቆም ጥራይ ተኸቲቦም ክንሶም ተዓዘብቲ ክኣትው መረጋገጺ ክታበት ከርእዩ ግዴታ ምዃኑ ምዕዝምዛማት ፈጢሩ
Share