ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣትሌታተን ንውድድራት ሻምፒዮና ኦሎምፒክስ ዓለም፣ ዩጂን 2022፣ ኣዳልየን

Source: Getty
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/07/2022) * ምስግጋር ኮኾብ ኢትዮጵያዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣቡበከር ናስር ካብ ኢትዮጵያ ቡና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ማሜሎዲ ሳንዳውንስ ብጸገማት ፈቓድ ስራሕ ተደናጉዩ፣ * ፕረዚደንት ፊፋ ነበር ሴፕ ብላተርን ፕረዚደንት ዩኤፋ ዝነበረ ሚሸል ፕላቲኒን ካብ’ቲ ተኸሲሶሞ ዝነበሩ ምጥፍፋእ ክፍሊት ገንዘብ ነጻ ተባሂሎም፣ * ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ሻምፒዮናታት ኣትለቲክስ ዓለም 2022 ዩጂን ዝሳተፉ ኣትሌታት ስሞም ተዘርጊሑ፣ * ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ከኣ ተሳተፍቲ ኣትሌታት መነመን ምዃኖም ኣፍሊጡ፣ እንተኾነ ግን ንጹርነት ኣሰራርሓ ብዘይምህላዉ ነቐፌታታት ይቐርብሉ፣
Share