'ሃገር ደው ዘብል ቅድድም' ኣፍራስ ኣብ መልበርን ረብሕኡ ዶ ይዓቢ ወይስ ክሳርኡ፧

Horse racing

Source: Getty

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (01/11/2021) * ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጋና ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማ ኣንጻር ጋና ኣብ ኦርላንዶ ስታድየም፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ክካየድ ምውሳና ብምቅዋም ይግባይ ሓቲቱ፡ * ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ሴካፋ ሻምፒዮና መንእሰያት ት20 ኤርትራ ብታንዛንያ 1-0 ተሳዒረን፡ ኢትዮጵያ ንጂቡቲ 7-0 ስዒረንአን፡ * ካልኣይ እግሪ መጻረዪ ግጥም ኩ’እግሪ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ 2022 ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኡጋንዳ 2-0 እንተተዓወታ’ኳ ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ተሳዒረን ናብ ዝቕጽል ዙር ከይሓለፋ ተሪፈን፡ * ብ ግሪኽ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ስልማት ኬንያዊ ኤልዮድ ኪፕቾገ ብሉጽ ኣትሌት ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ተሰይሙ፡ * በብዓመቱ ኣብ ከተማ መልበርን ዝካየድ ‘ሃገር ደው ዘብል ቅድድም’ ተባሂሉ ዝስመ ቅድድም ኣፍራስ መልበርን ካፕ ረብሕኡ ዶ ይዛይድ ወይስ እቲ ክሳርኡ፡



Share