ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝኾነ ካልእ እዋን ንላዕሊ ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ሰባት ዝያዳ ክንርድኦምን ክንሕግዞምን ከምዘለና ኣርእዩና’ዩ

Grieving man

Source: Getty Images

ኮቪድ ኣናብራና፥ ኣማውታናን ኣተሓዛዝናናን ቀይርዎ’ዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ውድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ኢሉ ካብ ዝእውጆ ንደሓር ካልኣይ ዓመቱ ኮይኑ’ሎ። ኣገደስቲ መምርሒታት ሓለዋ ህዝባዊ ጥዕና ሰባት ነቶም ኣብ ኣፈፈት ሞት ዝርከቡ መቕርባቶም ብቐረባ ክርእይሎም ዝኽእሉ ዕድላት ጸልዮሞም፣ ኣብ ከም ቀብሪ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ስነስርዓታት ከይሳተፉ ደሪቶሞምን ካብ መሓዙቶም፣ ኣዕሩኽቶምን ቤተሰቦምን ክረኽብዎም ዝኽእሉ ዝነበሩ ብኣካል ዝወሃቡ ማሕበራዊ ደገፋት ኣስኢኖሞምን።


 


Share