“ኲናት ደው ኢሉ ፖለቲካዊ መፍትሒ እንተዘይተረኺብሉ ብኲናትን ጥሜትን ዝመውት ዘሎ ብዙሕ’ዩ፡ ብኮቪድ ዝመውት ከኣ ብዙሕ ክንርኢ ኢና”

Dr Fisaha Haile Tesfay

Source: AP

ክቡራት ሰማዕትና ኣብ መርበብ ሓበሬታ theconversation.com ‘How conflict has made COVID-19 a neglected epidemic in Ethiopia (ኣብ ኢትዮጵያ ጎነጽ ንኮቪድ-19 ከመይ ኢሉ ዝተረሰዐ ለበዳ ከምዝገበሮ)’ ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ርእይቶ ብዶክተር ፍስሃ ሃይለ ተስፋይ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ናይ ድህረ ምረቓ ተመራማርን ዶክተር ሃይላይ ኣብርሃ ገሰሰው ኣብ ሓደ ብAustralian National Health and Medical research Council (NHMRC) ዝምወል ፕሮጀክት ዋና መርማሪን ዝሓለፈ ሰሉስ ተጻሒፉ ኔሩ። ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ እዋን እናበኣሰ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ቀንዲ ደፋኢ ናይ’ዚ ለበዳ ‘ዓሌት ደልታ’ ድዩ ኣይኮነን ገና ኣብ መጽናዕቲ ይርከብ። ስለ’ዚ ንምንታይ’ዩ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝለዓለ ቀዳምነትን ህጹጽነትን ተዋሂብዎ ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ ዘይኮነ ዝብሉን ምስኡ ዝተሓሓዙ እዋናዊ ጉዳያትን ዝተንከፈ ብዛዕባ’ዚ ጽሑፍ ክንዝቲ ምስ ሓደ ካብ’ቶም ጸሓፍቱ ዶክተር ፍስሃ ሃይለ ዘካየድናዮ ዕላል።



Share