'ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብ ኲናት ትግራይ ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ እንተኾይኖም ኣብ ባይታ ዘሎ ሚዛን ሓይልን ተሰማዕነት ኣሜሪካን ይውስኖ'

Source: AP
ክቡራት ሰማዕትና ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጥታት እናወሰኹ ይኸዱ’ለው። ብፍላይ ከኣ እቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ዝወጸ ሓድሽ ትእዛዝ ነቶም ነዚ ኲናት ዘጋድድዎ ዘለው ወገናት፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ኣብ ጠረጴዛ ዘተ ኮፍ ንኽብሉ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከኣ ሓይልታቱ ከውጽእ ጸቕጢ ዘሐይል ስርዓተእገዳ/ሳንክሽንስ ረጂም የቕውም። ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ሰለስተ ገጻት ዝሓዘ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ባይደን ብምልኣኽን ቅሉዕ ደብዳበ ብምጽሓፍን ተቓውሞኡ ገሊጹ። መንግስቲ ኤርትራ ጸኒሑ ነቲ መጠንቀቕታ እገዳ ዝነጽግ መግለጺ ኣውጺኡ። ህወሓት ብመንገዲ ኣፈኛ ጌታቸው ረዳ ንሰላማዊ ዘተ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣሜሪካ ነዞም ግብረመልስታት ምስ ተዓዘበት ትዕግስታ ከምዝወድአት ዘመልክት መሊሳ ሶኑይ ነቲ መልእኽቲ ደጊማቶ። ነቲ ኣማኻሪ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዝኾነ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ዘስምዖ ጽልኢ ዝተሓወሶን ንህልቂት ዝጽውዕ መደረ ብትሪ ኮኒናቶ። ስለ’ዚ ክሳብ ክንደይ’ዩ እዚ ናይ ኣሜሪካ ተበግሶ ተሰማዕነት ዘለዎን ኣብ ባይታ ለውጢ ዘምጽእን፧ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታትን ሚዛን ሓይልን ከይተቐየረ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ዘተ ዝሕሰብ ድዩ፧ ነዚኦምን ካልኦትን ምስ’ዚ ጉዳይ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ንምንጻር ንኣባል ቦርድ ኤሪፕስ ወይ ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን ኣቶ ኣምሃ ሃብተማርያም ደረስ ሓቲትናዮ ኔርና።
Share