ክትዕ፣ ቆይቂ፣ ጸርፊን ነገርን ዘብዝሕ ኣውስትራልያዊ ኮኾብ ቴኒስ ኒክ ኪርዮስ ርእይቶ ሰባት ይመቓቕል

Source: AAP
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/01/2022) * ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ተሰለምቲ ሜዳልያታት ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ሰሎሞን ባሬጋን ኡጋንዳውያን ጆሹዋ ቸፕተገይን ጃኮብ ኪፕሊሞን ኣብ ዓቢይ ጉያ እግሪ ሰሜን/ዘ ግሬት ኖርዝ ራን ክሳተፉ’ዮም፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ጂሮ ደል ሜድዮ ብረንታ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ዝለዓሉ 10 ተርታታት ክውድእ እንክሎ ነጋሲ ሃይሉ ዝነኣድ መበል 15 ወዲኡ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ/ካፍ ንኢትዮጵያዊት ሊድያ ታፈሰ ኣብ ግጥማት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ 2022 ዳኛ ጌሩ ከምዝሰመያ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ግጥማት ባይታ ቴኒስ ብዘርእዮ ባህርያት፣ ዝፈጥሮም ክትዓት፣ ዝፍንዎም ጸርፍታትን ምፍርራሓትን ኣብ ልዕሊ ተጻወቲ፣ ደያኑን ተዓዘብትን ንኣውስትራልያዊ ኮኾብ ኒክ ኪርዮስ ነቐፌታታትን ጸላእቲን የብዝሕሉ፣
Share