ኢትዮጵያዊት ለተንሰንበት ግደይ ሓድሽ ክብረወሰን ፍርቂ ማራቶን ከተመዝግብ እንከላ ኤርትራዊ ዓወት ሃብተ ኣብ ጉያ እግሪ መሮር ተዓዊቱ

Source: Athletics
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/10/2021) * ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ቫለንስያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቀንስትዮ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ ዓወት ሃብተ ኣብ ስፐይን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ መሮር ዓወት ኣመዝጊቡ፡ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ስታድየም ባህር ዳር ንመጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብቑዕ ኣይኮነን ተባሂሉ ብካፍ ድሕሪ ምውሳኑ ኢትዮጵያ ኣንጻር ጋና ዘለዋ ግጥም ኣብ ጆሃንስበርግ ከተካይዶ መሪጹ፡ * ቀዳማይ እግሪ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ 2022 ኢትዮጵያ ብኡጋንዳ 2-0 ተሳዒራ፡ * ቻይና ብሰንኪ ኣተሓሕዝኣ ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ማሕበረሰባት ነቐፌታ ክቐርበላ እንከሎ ትወስዶም ቅጽበታዊ ስጉምትታት ንኩዕሶ ሰኪዐት ኣሜሪካ ኤንቢኤይን ጋንታታቱን ኩሉ ግዜ ኣብ ፍርሒ ከምዝነብሩ ጌርዎም ክብሉ ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላት ስግኣቶም ይገልጹ
Share