ለተሰንበት ግደይን ታምራት ቶላን ኣብ ሻምፒዮናታት ኣትለቲክስ ዓለም ወርቂ ዓቲሮም፣ ዓሊ ሱለይማን ምስ ጋንታ ሃዋሳ ሲቲ ተጸምቢሩ

Source: World Athletics
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (18/07/2022) * ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮናታት ኣትለቲክስ ዓለም ኦሬገን 2022 ኢትዮጵያዊት ወናኒት ክብረወሰን ዓለም ለተሰንበት ግደይ ኣብ 10ሽሕ ሜ፣ ታምራት ቶላ ኣብ ማራቶን፣ ተዓዊቶም፣ * ኤርትራዊ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ዓሊ ሱለይማን ካብ ጋንታ ባህር ዳር ሲቲ ወጺኡ ናብ ጋንታ ሃዋሳ ሲቲ ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ብምፍርራም ተዘዋዊሩ፣ * ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ፓትሪስ ሞትሰፐ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ፈጺሙ ምስ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ ተራኺቡ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ጂሮ ቺኪሊስቲኮ ደላ ቫለ ዳ’ኦስታ ኢትዮጵያዊ ወላይ ሓጎስ በርሀ ካብ’ቶም ዝለዓሉ ዓሰርተ ብሉጻት ተቐዳደምቲ ኮይኑ ክውድእ’ንከሎ ዙር ፈረንሳ ብመሪሕነት ጆናስ ቪንገጋርድ ካልኣይ ሰሙኑ ኣጠናቒቑ፣
Share