ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 መጋቢት 2023)
ሓሙስ 2 መጋቢት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ እቲ ናይ ጸለምቲ ህዝቢታት ሓበን ተባሂሉ ዝንገረሉ ኣብ ዓድዋ ኣብ ልዕሊ ገዛእቲ ጥልያን ዝተፈጸመ ዉግእን ዓወትን ንመበል 127 ዓመት ይዝከር ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ምስ ጸሓፊ ታሪኽን መምህር ግርማይ ገብረጻድቕ ዝገበርናዮ ዕላል ሎሚ ቀዳማይ ክፋል ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ፓትርያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኲናት ንንየው ንፈለማ እዋን ናብ ትግራይ ኣምሪሖም። ኣብ ትግራይ ዋዕላ ምጥያስ ግዜያዊ ምምሕዳር ይካየድ ኣሎ። ልዕሊ 60 ዓለምለኻውያን ትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዘቕረቦ ጥርዓን ተቓዊመንኦ። ኣብ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ 4 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ኣብ ኣውስትራሊያ ፍቓድ መዘወሪ ማኪና ብኸመይ ትረክብብዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኣሰራርሓ ፖስታ ኣውስትራሊያ ምምዕርራይ ክግበረሉ እዩ ። ** ሰራሕተኛታት ኣድሕን ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ግሪኽ ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ስብርባራት ይምርመሩ ። ** ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ልኡል ዘውዲ ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ ዘተ ከም ዘካየደ ተገሊጹ።
Share