ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (06 ሓምለ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሓሙስ 6 ሓምለ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣብ ኲንስላንድ ከተማ ብርስቤን ዝርከቡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ጳጳስ ኣቡነ ሽኖዳን ብዙሓት ዕዱማት ኣብ ዝተረኽብሉ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዒሎም። ነዚ ዝምልከት ምስ ክልተ ኣገልገልቲ እቲ ቤተ ክርስትያን ዝተገብረ ዝርርብ። ከምኡውን ዕላል ምስ ወ/ሮ ዛህራ ዓብደልርሒም ዝገበርናዮ ካልኣይ ክፋል ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ናብ ካልእ ግዝኣታት ኣውስትራሊያ ንምግዓዝ ዘድልዩ ነገራት ዝምልከት ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዝቐርብ ትሕዝቶ እዩ። ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ፕረዝደንት ግ/ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጲያ ከም ዝዘተዩ ተገሊጹ። ጉጅለ ልኡኽ ዓለም ለኸ ፌዴሬሽን ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኣብ ትግራይ ዑደት የካይድ ኣሎ። ውዳበ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሳልሳይ ዋዕላ ከም ዘካየደ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ፈተና ነባራት ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ ጀሚሩ ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር መብርሂ ይህብ ኣሎ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልተ መዓልቲ ሰለስተ ሰብ መዚ ጸጥታ ተቐቲሎም.. ሓደ ቤት ፍርዲ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኤርትራዊ ንሕልፈት ፈሪዱ። ንኹሎም መደባትና ምሳና ጸኒሕኩም ክትከታተሉ እናዓደምኩ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ብርቱዕ ዋዕን ብርቱዕ ደርቅን ከምዝመጸ መጠንቀቕታታት ኣብዝወሃበሉ ዘሎ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ሓያል ባርዕ ዘጋጥመሉ ወቕቲ ባርዕ ጫካ ከጋጥም እዩ። ** ጓል ሓንቲ ናይ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብ ኣደላይድ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ብኽሲ ነቶም ግዳያት ብዕሊ ዓቐን መድሃኒት ሂባ ቐቲላ ተባሂላ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ። **ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልተ መዓልቲ ሰለስተ ሰብ መዚ ጸጥታ ተቐቲሎም



Share