ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 መጋቢት 2023)
ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 9 መጋቢት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣቶ ግርማይ ገብረመድህን ኣብ ኲንስላንድ ምስ ማልቲካልቹራል ኣውስትራሊያ ንሓደስቲ መጻእቲ ኣብ መስርሕ ምጥያስ ሓገዝ ዝገብር እዩ። ብፍላይ ንመንእሰያት ኣብ ትምህርትን ስራሕን ዘጋጥም ብድሆን ዘሎ ዕድላትን ዝምልከት ምሳና ጻኒሒት ጌሩ ኣሎ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ክሳብ 2022 ልዕሊ 290 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከም ዘምርሑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኢትዮጵያ 500 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሃገራት ዓረብ ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ። ቤት ምኽሪ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝገበሮ ዕፅዋ ክእለ ሓቲቱ። ኣብ መዓልቲ ደቀንስትዮ ትግራይ: ካብ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህር ናብ ምሻጥ ኣትክልቲ ዝኣተወት ጓልኣንስተይቲ ፀላዊት ኰይና። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጣዕሳን ጓህን ከይመጸ ድሕነትካ ሓሉ፡ ባርዕ ኣብ ገዛ ከመይ ትከላኸሎ ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብ ሕንዲ ገይሹ። ** ኣብ ፐርዝ ዝነብሩ ስድራቤት ወዶም ዳውን ሲንድሮም ሒዙ ስለ ዝተወልደ ፡ ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ዘጋጠሞም ፡ ብውልቃዊ ዉሳነ ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ናይ ቀዋሚ ነባርነት ቪሳ ተዋሂብዎም ኣሎ ። ** "ኣብ ኤርትራ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ብምሉእ ጥሕሰት ሕጊ ኣጸጋሚ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።" ክብል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
Share