ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ግንቦት 2023)
ሓሙስ 11 ግንቦት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ብሰሉስ ፈደራል ኣውስትራሊያ ባጀቱ ንህዝቢ ኣፍሊጡ ኣሎ ነዚ ዝምልከት ምስ ማሕበረሰብና ዝተሓሓዙ ጉዳያት ናይቲ ባጀት ኣልዒልና ምስ ኣቶ ከነዲ ገብረየሱስ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ኣሎ። ነዚ ዝወጸ ባጀት ዝምልከት ትንታነ’ውን ኢብራሂም ዓሊ ዘዳለዎ ትሕዝቶ ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ቤት ትምህርቲ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ግላስ 166 ተሓጋገዝቲ ነርስታት ኣመሪቓ ንዓመታ ኣብ ትግራይ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ዩ። ብ 'ራዕዲ' ዝተኸሰሰ ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያሌው፡ ኢትዮጵያ ክምለስ ምዃኑ ሓቢሩ። መንግስቲ ኣብ ክልተ ግንባራት መጥቃዕቲ ከፊቱ ክብል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከሲሱ። ኤርትራ፣ ብሰንኪ ፕሮቶኮል ፅምብል ምድፋእ ዘውዲ ንጉስ ቻርለስ ከምዘይተሳተፈት ገሊጻ ዝብሉን ካልእ ትሕዝቶታትን ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ። ኣብ ማሕበረሰባት ስደተኛታት ስድራቤታዊ ዓመጽ ብምንታይ ክከላኸል ይከኣል ናይ ሎሚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ ኣርእስቲ እዩ። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ናይ ባጀት ወረቓቕቲ ከምዝሕብሮ 15 ቢልዮን ዶላር ካብ ማዕከን ሃገራዊ ጉዱኣት ኣካል መድሕን (NDIS) ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ናይ ሃገራዊ ጉዱኣት ኣካል ገንዘብ ንምጉዳል ተዳልዩ ኣሎ ።** ቤት ፍርዲ ፓኪስታን ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዒምራን ክሃን ሕቶ ከቕርበሉ ንሸሞንተ መዓልቲ ኣብ ቀይዲ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ወሲኑ። ** ኢንተር ሚላን ኣብ ዞባዊ ደርቢ ን ኤሲ ሚላን 2ብ0 ብምስዓር ን ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ቻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ሓሊፋ ።
Share