ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (11 ሚያዝያ 2022)

Source: Getty
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ: * መራሒ ተቓዋሚ ኣንተኒ ኣልባነሲ ሰልፉ እንተተዓዊቱ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ስልጣኑ ሓቀኛ ደሞዝ ክውስኾ ምዃኑ ቃል ኣትዩ፣ መጠን ዘዋሪ ጥረ ገንዘብ ወይ ካሽ ረይትን ሃገራዊ ኣሃዝ ሽቕለተኣልቦነት ጋዜጠኛታት ምስ ሓተትዎ ግን ምዝካር ስኢንዎ፡ * ኢማኑወል ማክሮን ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ምድማጽ ንፕረዚደንት ፈረንሳ ድሕሪ ምሕላፉ ኣብ’ቲ ዝቕጽል ዙርያ ኣንጻር ሕሉፍ-የማናዊት ሕጽይቲ ንፕረዚደንት ማሪን ለ ፐን ክወዳደር’ዩ፡ * ፖሊስ ብሪጣንያ ክሪስትያኖ ሮናልዶ ካብ ኢድ ሓደ ደጋፊ ናይ ኢድ ቴሌፎን/ሞባይል ፎን ሃሪሙ ብምውዳቕ በደል ፈጺሙ እንተኾይኑ ንምምርማር ናይ ድሕነት ካሜራታት ሲሲቲቪ ዝቐረጽኦ ምስሊ ይምልከቱ’ለዉ፡ * ቀዳማይ ምሉእ መዓልቲ ጎስጓስ ምርጫ መራሕቲ’ተን ዓበይቲ ሰልፊታት ናይ ሚልዮን ዶላር ምወላ መብጽዓታት ብምእታው ጀሚሮሞ፡
Share