ማድሪድ ቻምፒዮንስ ሊግ ትዕወት፥ ወቕቲ ሊቨርፑል ዕዉት ዶ ኔሩ ኣይነበረን፧ መርሃዊ ኣብ ጂሮን ኢትዮጵያውያን ኣብ ኦክፐክፐን

UEFA Champions league final 2022: Madrid wins

Source: Getty

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/05/2022) * ኣብ ዓመታዊ ውድድር ጉያ እግሪ መንገዲ 10 ኪሜ ኦክፐክፐ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ጾታታት ተዓዊቶም፣ * ቅድድም ብሽግለታ ጂሮ ድ’ኢጣልያ ብዓወት ኣውስትራልያዊ ጃይ ሂንድሊ ተዛዚሙ፥ ምሉእ ተሳትፎኡ ዘጠናቐቐ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ መበል 61 ደረጃ ሒዙ ውራዩ ዛዚሙ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ተካይደሎም መዓልታት ተቐይሮም፣ * ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ተካይድ ዘላ ጽዋዕ ዋንጫ ዓለም ብፕረዚደንት’ታ ሃገር ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ሃገራዊ ቤተመንግስቲ ኣቀባብላ ተገይሩላ፣ * ድራማታት ዝመልኦ ግጥም ፍጻመ ቻምፒዮንስ ሊግ ክለባት ኤውሮጳ ብዓወት ሪያል ማድሪድ ተዛዚሙ፥ ወቕቲ ሊቨርፑል ዕዉት ኔሩ ዶ ኣይነበረን ዝብል ኣካታዒ ኮይኑ፣



Share