'ልክዕ ከም ቢንያም ብቕዓት ዘለዎም ካልኦት ንኣሽቱ ተቐዳደምቲ ናብ ዓበይቲ መድረኻት ኣብ ምምጻእ ድሒርና ስለዘለና ከነቃላጥፎ'ዩ ዘለና'

Eritrean cyclists in Asmara

Source: From the book 'Eritrean cycling history 1936-2012' by Mewael Mehansho

ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ብኸመይ ተበጊሱ’ዩ ኣብ’ዚ ደረጃ በጺሑ፧ እቶም ሰረት ዘንጸፉ በዓል መን’ዮም፧ እንታይ ዓይነት መሰናኽላት ተሓሊፎምን ወርቃውያን እዋናት ከ ኣየኖት’ዮምን ወዘተ ዝብሉ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ተጻሒፎምን ተዓሊልሎምን እንተኾኑ’ኳ ንሎሚ ባዕሉ ተቐዳዳማይን ኣሰልጣንን ዝነበረ ብቐረባ ነቲ ጉዕዞ ዝፈልጦን ዝነበሮን ኣብ ገሊኡ እውን ኣብ ገለ እዋን ንጡፍ እጃም ዝነበሮን፥ ከምኡ’ውን ‘ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ኤርትራ 1936-2012’ ትብል መጽሓፍ ምስ ዝጸሓፈ ኣቶ መዋእል መሃንሾ ኣብ’ዚ ከዕልለና ዓዲምናዮ ኣለና። መዋእል ኣብ 2013 ሓላፊ ቴክኒክ ሃገራዊ ፌደረሽን ብሽክለታ ኤርትራ ከምኡ’ውን ካብ 2004 - 2014 ኣካያዲ ቅድድም ብሽክለታ 'ማውንቴይን ባይክ' ዝነበረ’ዩ፣ ድሕሪ ስደት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሓንቲ ጋንታ ቅ/ብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሰልጢኑ ኔሩ። ካልኣይ ክፋል ዕላል ኣብ'ዚ እነሀልኩም።



Share