ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ዓወት ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኣመዝጊባ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንጉስ ዓቐብ ኮይኑ

Ethiopia beats Egypt at AFCON qualifiers

Source: YouTube

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (13/06/2022) * ኣብ ሻምፒዮናታት ኣትለቲክስ ኣፍሪቃ ኣብ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊ ሞገስ ጥዑማይ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ኣድሪያቲካ ኢዮኒካ ረይስ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንጉስ ዓቐብ ኮይኑ፥ * ኣብ ግጥማት ሻምፒዮና ሴካፋ ዓበይቲ ደቀንስትዮ 2022 ኢትዮጵያ ንታንዛንያ ስዒረን ሳልሳይቲ ወጺኤን ነሓስ መዳልያ ተሰሊመን፣ * ሃገራዊት ጋንታ ደቂባዕትዮ ኢትዮጵያ ካልኣይ ምድባዊ መጻረዪ ግጥም ኣካይዳ ንግብጺ ትጽቢት ብዘይተገብረሉን ብዝድነቕ ጸወታን 2-0 ስዒራታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሓጎስን ፈንጠንዝያን ክፈጥር እንከሎ ኣብ ግብጺ ነቐፌታታትን ክትዓትን ኣልዒሉ፣ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ግብጺ’ውን ክስጎግ ተኽእሎ’ሎ ተባሂሉ፣



Share