ኤርትራ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብእምነቶም ዝኣሰረቶም ፈቲሓ፣ ከበባ ትግራይ ዝሰብር ድልዱል ሰራዊት ይህነጽ ኣሎ ይብሉ ኣዘዝቲ ትግራይ

Source: Getty
ጸብጻብ ዜናታት (27/09/2021) * ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ከበባ ኣብ ሓጺር እዋን ዝሰብር ንሓዋሩ'ውን ውሕስና ህዝቢ ትግራይ ዝኸውን ድልዱል ሰራዊት ይህነጽ ኣሎ ክብሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ተዛሪቦም። * ኤርትራ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣሲራቶም ዝነበረት ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያን ፈቲሓ። * ኢትዮጵያ ኣብ ኣየርላንድ ዘሎ ኤምባሲኣ ትዓጽዎ ኣላ። * ሱዳን ናብ ግዝኣተይ ሰሊኾም ኣትዮም ዝበለቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣጥቂዓ ከም ዝመለሰቶም ገሊጻ።
Share