ዙር ሩዋንዳ 2022 ብዘይሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተጀሚሩ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ግን ይሳተፍዎ

Source: YouTube
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/02/2022) * ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት እጅጋየሁ ታየን በሪሁ ኣረጋዊን ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ መንገዲ 5ኪሜ ዘመዝገብዎም መዝገባት ዓለም ጸዲቖምሎም፥ * ኣብ ስፐይን ዓመታዊ ቅድድም ብሽግለታ ቩወልታ ኣ ኣንዳሉሲያ ሩታ ሲክሊስታ ደል ሶል ተኻይዱ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይን ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይን ተሳቲፎሞ: * ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ኣይትሳተፍን ኣላ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ግን ብመንገዲ ጋንታታቶም ኣቢሎም ይሳተፉ’ለዉ: * ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ሓጋይ ብዝበዝሐ ክሳተፉን ነቲ ስፖርት ኣፍሪቃውያን ደገፍቲ ክስዕብዎን እንታይ ክግበሩ ኣለዎም
Share