ወሰኽ ቁጽሪ መልከፍታት ኮቪድ-19 ንዓውደ ኣዋርሕ ስፖርት ዓለም ኣናዊጽዎ፣ ቢንያም ግርማይ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ 2021 ተሰይሙ

Source: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (20/12/2021) * ስሙ እናገነነ ዝኸይድ ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ናይ’ዚ ዓመት ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ተሰይሙ፡ * ኣብ ስፐይን ውድድር ጉያ እግሪ መሮር ክሮስ ኢንተርናሲዮናል ደ ቨንታ ደ ባኖስ ተኻይዱ ኢትዮጵያዊ ንብረት መላክ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ ኤርትራዊ መርሃዊ መብራህቱ ራብዓይ ወጺኡ፡ * መደበር ቴሌቪዥን ዓባይ ብሪጣንያ ስካይ ስፖርትስ ናይ’ዚ ዓመት ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኩሎም ብቐጥታ ከምዘመሓላልፎም ኣፍሊጡ፡ * ስፖርት ዓለም ብምኽንያት ወሰኽ መለክፍታት ኮቪድ-19 ዳግማይ ይጽሎ ኣብ ዘለወሉ እዋን ፖለቲካውያን መራሕቲ ሃገራት ስፖርተኛታት ክታበት ከይኣበዩ ንኹሉ ሕብረተሰብ ኣብነት ክኾኑ መጸዋዕታ የቕርቡ
Share