ብሩንዲ ክትከትብ ጀሚራ፡ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ጥራይ ክታበት ኮቪድ ዘይጀመራ ሃገራት ኮይነት። (ካብ ዕለታዊ ዜና)

Source: Getty Images
ኣርእስታት ዜና *ቪክቶሪያ 70 ሚእታዊ ህዝባ ተኸቲቡ ካብ ቀይዲ ክትወጽእ ኣብትዳለወሉ ካልእ ብዝሒ ዘለዎ መልከፍቲ ኮቪድ ተረኺቡ። ** ኣውስትራሊያ ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ምፍጻሙን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት እናገደደ ምምጽኡን ከምዘተሓሳስባ ገሊጻ ። ሓንቲ ካብተን ክታበት ኮቪድ-19 ንህዝበን ዘይከትባ ዘለዋ ናይ መወዳእታ ሰለስተ ሃገራት ዓለም ዝኾነት ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብሩንዲ ሃገራዊ ወፍሪ ምኽታብ ፡ ብሰኑይ ጀሚራ ። ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ሰሜን ኮርያን ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኤርትራን ጥራይ እየን ክታበታት ኮቪድ-19 ንህዝበን ዘይከትባ ዘለዋ ። *** ዋንጫ ዓለም ካብ ኣኣብ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ኣብ ነፍሲወከፍ 2 ዓመት ክጎድል ንዝቐረበ እማመ ተቓዉሞ ይገጥሞ።
Share