ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (18 ጥቅምቲ 21)

Source: Getty Images
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ቪክቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ክታበት ንዝረኸቡ ኣህጉራውያን ገያሾ ናይ ሆቴል ውሸባ ደው ከተብሎን ኣብ ክንድኡ ኣብ ገዛ ክፍለዩን ክትፈቅድ ትጽቢት ይግበር ። ** ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሱዳናውያን ሰልፈኛታት: ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ'ሞ ነታ ሃገር ዘናውጽ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ንእተቐትሉ መንእሰያት ንምዝካር፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ሰልፊ ጌሮም። ** ሓደ ካብ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ፡ነቲ ኣብ ኣቴንስ ዝካየድ ተቓውሞታት ብምኹናን ብምባል ጸወታታት ኦሎምፒክ ብዛዕባ ሓድነት እዩ ኢሉ ።
Share