ቅነ ናይዶክ (NAIDOC) ምሕዋይ ሃገር፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

Source: Getty Images
ሰሙን ናይዶክ ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ዓውደ ኣዋርሕ ጎሊሑ ዝርአ ፍጻመ እዩ ። እዚ ንታሪኽ ፡ ባህልን ዓወታትን ህዝቢ ኣቦርጂንን ቶረስ ስትርን ኣፍልጦ ንምሃብ ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓምለ ዝጽምበል ቅነ እዩ። ናይ 2021 ቴማ Heal Country! ዝብልዩ. ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ (ሰትልመንት ጋይድ) ፡ ነቲ ኣብ ከተማታትና ብቐሊሉ እንረኽቦ ንኣርጂናውያን ኣገዳስነት ዘለዎም ቦታታት ብኸመይ ክትበጽሖምን ኣኽብሮት ኸተርእን ከም እትኽእል ክድህስስ እዩ ።
Share