እተን ብላዕሊ ዝወሃባ ኣሽሓት ዶላራት ዓወቱ ተኣማሚኑን ጣቕዒት ደገፍቲ በዚሕዎን መስመር ዓወት ክረግጽ ቀስ ስለዝበለ ኣምሊጠንኦ

Source: Getty
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/10/2021) * ኢትዮጵያዊ ሲሳይ ለማ ተዓዋቲ ለንደን ማራቶን ኮይኑ፡ ዓወቱ ኣረጋጊጹ ቀስ ኢሉ ብምእታው ግን ናይ ኣሽሓት ዶላር ሞቕሽሽ ኣምሊጥዎ፡ * ኣብ በርሊን ማራቶን ሳልሳይ ዝወጸ ኢትዮጵያዊ ገዲም ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ካብ’ቲ ውድድር ክሰናበት መደብ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ፡ ወዲ 40 ዓመት’ውን ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግብ ይኽእል’ዩ ኢሉ፡ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ክሮ ረይስ፡ ክሮኤሽያ፡ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ዘዕግብ ውጽኢት ከመዝግብ እንከሎ ኣብ በደህቲ ኩነታት ኣብ ዝተኻየዱ ካልኦት ቅድድማት ኤውሮጳ ግን ተቐዳደምትና ውድድሮም ክፍጽሙ ኣይከኣሉን፡ * ክታበት ኮቪድ-19 ዘይኣምኑ ወይ ዘይቅበሉ ከዋኽብቲ ስፖርት ዓለምና ኣብ ዝለዓሉ ውራያት ስፖርት ስክፍታታትን ምስንኻላትን ይፈጥሩ
Share