'ቃል ዝተኣትወትለይ መኪና ገና ኣይተረከብኩዋን' ሰሎሞን ባሬጋ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃን ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ብምጽንባር ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ

Source: Getty
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/04/2022) * ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሰሎሞን ባሬጋ ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ድሕሪ ምዕዋቱ መብጽዓ ዝተኣትወትትሉ መኪና ክሳብ ሕጂ ኣይተቐበልኩዋን ኢሉ፣ * ኣብ ቅ/ብ ዙር ኣልፕስ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ቅልስ ዝበለጸ ተባሂሉ ፍልይቲ ተዘክሮ ዘለዋ ማልያ ተሰሊሙ፣ * ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ፕሮፌሽናል ተቐዳማማይ ኮይኑ፣ ጋንታ ባርዲያኒ ሲኤስኤፍ ፋይዛን ምስኣ ክጽንበር ውዕል ከምዘፈረመቶ ኣፍሊጣ፣ * መጻረዪ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት 2023 ምድልዳል ዕጫ ተኻይድሎም፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ሓደ ምድብ በጺሕወን፣ * ኣዳለውቲ ግጥማት ባይታ ቴኒስ ዊምብልደን ሩስያውያንን ቤላሩስያውያንን ተጻወቲ ከይሳተፉ ዝኽልክል ዝወሰዶ ውሳነ ተቓውሞታት ገጢምዎ
Share