ሰለስተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ጂቡቲ ሃገሮም ብገፊሕ 8-0 ድሕሪ ምስዓራ ንዓዶም ከይምለሱ ፈሪሖም ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ሓቲቶም

Paris, France.

Source: AAP

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (13/09/2021) * ኢትዮጵያ ናብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ንምሕላፍ ተካይዶ ዘላ ጎስጓስ ኣብ ካልኣይ ዙር ግጥማ ኣብ ባህርዳር ንዚምባብወ 1-0 ብምስዓር ትንፋስ ሰዂዓትሉ፡ * ዓመታዊ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ደ ፎርሚስ ሰንበት ተኻይዱ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሃይሉ መበል 12 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ፡ * ገዲም ኣትሌትን ፕረዚደንት ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ደራርቱ ቱሉ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ንዝወለዳ ኣርባዕተ ኣትሌታት ኣብ ሓጎሰን ክትካፈልን ናብ ሓድሽ ዓመተ 2014 እንቋዕ ኣብጽሓክን ክትብልን ኣብ ቤተን በጺሓተን፡ * ሰለስተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ጂቡቲ ሃገሮም ብኣልጀርያ ብገፊሕ 8-0 ድሕሪ ምስዓራ ፈሪሖም ንዓዶም ከይምለሱ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ሓቲቶም፡ ሓደ ካብኦም ከኣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፓሪስ ንሓደ ሰሙን ክቕኒ ተገዲዱ፡



Share