ካብ ስደት ወይ ምፍንቓል ዝነቅል ሓዘን እንታይ'ዩ? ከም ሓደ ዓዱ ገዲፉ ዝኸደ/ዝተሰደ ሰብ መጠን ካብ ምምንጣልን ምስኣንን ዝተላዕለ ዝስመዓኩም ሓዘን ክወጸልኩም ይኽእል ዶ፧

Credit: Source: Moment RF / Alexander Spatari/Getty Images
ካብ ዓድኻን መረበትካን ናብ ካልእ ሃገር ንሓዋሩ ጠቕሊልካ ምኻድ ወይ ምግዓዝ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ዝተደራረበ ስሞዒታዊ ፈተነታት ሒዙ'ዩ ዝመጽእ። ስደተኛታትን ፈለስትን ክብን ለጠቕን ዝብል ስንባደ ባህልን ምልማድ ጓና ዝኾነ ከባቢ ወይ ሃዋህውን ተጻዊሮም ኣብ ዝሓልፍሉ፣ ብዙሓት ብዙሕ ግዜ ዝተሓላለኸ ስምዒት ምፍንቓልን ምጥፋእ መንነትን ይስምዖም። ስለ'ዚ ስደተኛታትን ፈለስትን ነዚ ክጻወርዎን ደጊሞም ምሉኣት ኮይኑ ክስምዖምን እንታይ ክገብሩ ኣለዎም፧
Share