ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ፓሪስ-ኒስ ካብ'ቶም ዝለዓሉ 10 ኣትዩ፣ ሰሎሞን ባሬጋ ኣብ ስፐይን ተዓዊቱ

ሓደ ሰብኣይ ኣብ እግሪ ሓወልቲ ህቡብን ገዲምን ተጻዋታይ ክሪኬት ነበር ሸይን ዎርን ፎቶግራፋት የቐምጥ (ስታድየም ኤምሲጂ፣ መልበርን) Source: Getty Images
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (07/03/2022) * ናይ መወዳእታ ውድድራት ጉያ እግሪ 2022 ወርቃዊ ዑደት ውሽጢ ኣዳራሽ ኣትለቲክስ ዓለም ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዶም ኢትዮጵያዊ ሰሎሞን ባሬጋ ተዓዊቱ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ካናዳ ኣብ ኩሎም ኣብ ውሽጢ’ታ ሃገር ዝካየዱ ብሕብረት ቅድድም ብሽግለታ ዝጸደቑ ቅድድማት ተሳትፎ ሩስያን ቤላሩስን ክኽልክል ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ቅ/ብ ፓሪስ-ኒስ ተጀሚሩ ቢንያም ግርማይ ዝድነቕ 6ይ ወጺኡ፣ * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ፊፋ ት17 መንእሰያት ደቀንስትዮ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ን1ይ እግሪ ገጢመን ማዕረ 2-2 ተፈላልየን፣ * ኤርትራ ካብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ከምዘንሰሓበት ድሕሪ ምፍላጣ መጋጥምታ ዝነበረት ቦትስዋና ናብ ዝቕጽል ምድባዊ መጻረዪ ግጥማት ብቐጥታ ሓሊፋ፣ * ህቡብ ኣውስትራልያዊ ኮኾብ ክሪኬት ሸይን ዎርን ሃንደበት ብሕማም ልቢ ክኸውን ዝኽእል ኣብ መበል 52 ዓመቱ ዓሪፉ፣ መንፍዓቱ ኣብ ሜዳን ጌጋታት ህይወቱ ካብኡ ወጻኢን ንታሪኹ ከመይ ይጸልዎ
Share