ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ፓሪስ-ኒስ ካብ'ቶም ዝለዓሉ 10 ኣትዩ፣ ሰሎሞን ባሬጋ ኣብ ስፐይን ተዓዊቱ

A man places photos at the base of a statue of former Australian cricket great Shane Warne at the Melbourne Cricket Ground in Melbourne.

ሓደ ሰብኣይ ኣብ እግሪ ሓወልቲ ህቡብን ገዲምን ተጻዋታይ ክሪኬት ነበር ሸይን ዎርን ፎቶግራፋት የቐምጥ (ስታድየም ኤምሲጂ፣ መልበርን) Source: Getty Images

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (07/03/2022) * ናይ መወዳእታ ውድድራት ጉያ እግሪ 2022 ወርቃዊ ዑደት ውሽጢ ኣዳራሽ ኣትለቲክስ ዓለም ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዶም ኢትዮጵያዊ ሰሎሞን ባሬጋ ተዓዊቱ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ካናዳ ኣብ ኩሎም ኣብ ውሽጢ’ታ ሃገር ዝካየዱ ብሕብረት ቅድድም ብሽግለታ ዝጸደቑ ቅድድማት ተሳትፎ ሩስያን ቤላሩስን ክኽልክል ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ቅ/ብ ፓሪስ-ኒስ ተጀሚሩ ቢንያም ግርማይ ዝድነቕ 6ይ ወጺኡ፣ * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ፊፋ ት17 መንእሰያት ደቀንስትዮ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ን1ይ እግሪ ገጢመን ማዕረ 2-2 ተፈላልየን፣ * ኤርትራ ካብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ከምዘንሰሓበት ድሕሪ ምፍላጣ መጋጥምታ ዝነበረት ቦትስዋና ናብ ዝቕጽል ምድባዊ መጻረዪ ግጥማት ብቐጥታ ሓሊፋ፣ * ህቡብ ኣውስትራልያዊ ኮኾብ ክሪኬት ሸይን ዎርን ሃንደበት ብሕማም ልቢ ክኸውን ዝኽእል ኣብ መበል 52 ዓመቱ ዓሪፉ፣ መንፍዓቱ ኣብ ሜዳን ጌጋታት ህይወቱ ካብኡ ወጻኢን ንታሪኹ ከመይ ይጸልዎ



Share