'ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ይምዝመዙ እምበር ከም’ቲ ዝግብኦም ይሕገዙ ኣይኮኑን ዘለው' - ኣቶ በረኸት ሃይለ

Eritrean refugees killed in Mai Aini refugee camp in Tigray

Source: UNHCR

ዝሓለፈ ሓሙስ ወኪል ስደተኛታት ው. ሕ. ሃ. ሓደ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቀቲሉ ክብል ጸብጺቡ ኔሩ። ኣርባዕተ ዝተጎድኡ ኣለው ክብል ወሲኹ። ኣብ’ቲ ጸብጻብ እቲ ደብዳብ ሮቡዕ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ፡ ማይ ጸብሪ፡ ኣጋጢሙ’ዩ ዝብል። ሎሚ ነዚ ክስተትን ህሉው ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይን ንዝምልከት ኣብ ምጥባቕ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፍ ኣቶ በረኸት ሃይለ ዓዲምናዮ ኣለና።



Share