ገዳይምን ትስፉዋት መንእሰያትን ዝተዓወትሉ ፍርቂ ማራቶን ኣብ ምጽዋዕ ተኻይዱ፤ ኣብ ማራቶን ሌጎስ ኡልፋታ ደሬሳ ተዓዊቱ

Source: Bike Aide Facebook
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/02/2022) * ኢትዮጵያዊ ኡልፋታ ደሬሳ ገለታ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ናይጀርያ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ሌጎስ 'ኣክሰስ ባንክ ሌጎስ ሲቲ ማራቶን' ተዓዊቱ: * መበል 32 ዓመታዊ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ንምብዓል ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ውድድር ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪቃ 2022 ሳምሶን ኣማረን ናዝሬት ወልዱን ተዓዊቶም: * ዓመታዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኣንታልያ ኣብ ቱርኪ ተኻይዱ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሓምሻይ ደረጃ ሒዙ ብምውዳእ ዝድነቕ ውጽኢት ኣመዝጊቡ: * ሻምፒዮናታት ውሽጢ ሃገር ቅድድም ብሽግለታ መንእሰያት ወይ ጁኒየር 2022 ኣብ ኤርትራ ተኻይዶም ኣድያም ዳዊትን ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ተዓወትቲ ኮይኖም: * ኤርትራዊ ቀዳማይ ኦሎምፒካዊ ስፖርታት ሓጋይ ሻነን-ዖቕብናይ ኣበዳ ኣብ በይጂንግ ቻይና ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኦሎምፒክስ ሓጋይ 2022 ኣብ ምንሽርታት በረድ ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ
Share