ደማሙ ጠቐምቲዶ ጎዳእቲ፧ ምውናን ናይ ገዛ ድሙን ሓላፍነቱን።

SG CAT Ownership 1.jpg

ናይ ዉሽጢ ገዛ ድሙ ኣብ ገዛ ጥራይ ምሓዝ ካብ ሓደጋ ይሕለዉ እንስሳ ዘገዳም እውን ይዕቀቡ ።

ደማሙ ከም ደቂ ዉሽጢ ገዛ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰብ እተፈላለየ ጥቕምታት ይህቡ እዮም። እንተኾነ ኣብ ግዳም ዝርከቡ ፋሉላት ደማሙ ኣብ ልዕሊ መበቆላውያን እንስሳ ዘገዳም ኣዝዩ ጎዳኢ ዝኾነ ሃደንቲ እዮም ፡ እቲ ናይ ደማሙ ናይ ምዛር ባህሪ ድማ ንሓደጋ ሕማምን መጉዳእትን ይቃልዑ ፡ ንኣብነት ብ ሓደጋ መጕዓዝያን ኣብ ንሕድሕዶም ብምባኣስን ሓደጋ የጋጥሞም። ስለዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ዉሽጢ ገዛ ድሙ በዓል ዋና ንምዃን እንታይ ከምዘድሊ እስከ ንርአ ፡ ድሕንነት ናይ እንስሳናን ናይ ኣውስትራሊያ ፍሉይ ዝኾነ መበቆላዊ እንስሳ ዘገዳምን ምዕቃብ ንምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያትን ኣብዚ ክንጸር እዩ ።



Share